ሰነዳት ትእምት እንታይ ይብሉ?
ኣብ ትሕቲ ዝብል ርእሲ ብምትሕብባር ትእምትን ምስንዳእ ጋዜጣ ወይንን ተሰናዲኡ ኣብ ዝቐረበ ዓምዲ (ቀዳማይ ክፋል) ዝስዕብ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ካብ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርግ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምንጋፍ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እናተመርሐ ዝተኻየደ መሪር ተጋድሎ 17 ዓመት ብዓወት ምስተኸንበተ ፍርያት እቲ ቃልሲ ኮይኖም ካብ ዝተመስረቱ ዓበይቲ ትካላት ትግራይ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ እቲ ዝዓበየ እዩ፡፡ እዚ ትካል ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1987 ዓ/ም ብ1952 ዓ/ም ዝወፀ ፍትሃ ብሄር ሕጊ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 483 መሰረት ብምግባር ዝተጣየሸ ኮይኑ ኣብቲ እዋን እቲ መመስረቲ ፅሑፍን መተሓዳደሪ ደንብን ትእምት ፀዲቑን ተመዝጊቡን፡፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1989 ዓ.ም ድማ ብቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ሕጋዊ ኣፍልጦ (ሰብነት) ማለት እውን ናይ ምዝገባ መረጋገፂ ሰነድ ቁፅሪ 008/89 ዝብል ተወሂቡዎ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ትግራይ በቆል ህዝባዊ ትካል ምዃኑ ካብ ሰነዳት ትእምት ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡
ከምዝፍለጥ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ካብ ዝምስረት 31 ዓመት ዘቑፀረ ትካል ኮይኑ፤ መተካእታ ዘይብሎም ስራሕቲ ኢንቨስትመንትን ምግባረ ሰናይን እናሰርሐ ዝመፀ ህዝባዊ ትካል እዩ፡፡ እዚ ኮይኑ ግን ኣብ ኣመሰራርታኡ፣ መጣየሺ ዕላምኡ፣ መንነቱ፣ እንታይነቱ፣ ዋንነቱን ተጠቃምነቱን ከምኡ እውን ኣወዳድብኡ፣ ሕጋዊ ሰብነቱን ኣጠቓላሊ ዝተዋፈረሎም ስራሕትን ብዝምልከት ሕብረተሰብ ምሉእ ርድኢትን ግልፅነትን ዝተፈጠረሉ ኣይኮነን፡፡ ካብዚ ዝብገስ ድማ ሕብረተሰብ ነቲ ትካል ብዕምቆት ብዘይምፍላጡን ሓበሬታ ብዘይምርካቡን ክደናገር ይርአ፡፡ እቲ ትካል እውን ንፀለመን ሽም ምጥፋእን እናተሳጠሐ መፂኡ፡፡ ንሎሚ እምበኣር ትእምት መን እዩ፣ ናይ መን እዩ፣ መን መስሪቱዎ፣ ብከመይን ንምንታይን ዕላማ ተጣይሹ? ዝብሉን ካልኦትን ዛዕባታት ግልፂ ንምግባር ሰነዳት ትእምት ተወኪስና ዘዋደድናዮ መደብ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡
ካብ ቅድመ ምስረታ ትእምት እንትንጅምር ኣብቲ ካብ 1967-1983 ዓ/ም ንኣስታት 17 ዓመታት ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብር ትግራዋይን ደጋፊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ነቲ ቃልሲ ንምጥንኻር ዓቕሙ ዝፈቐዶ ኩሉ ብገንዘብ፤ ብንዋትን ካሊእን ንውድብ ህወሓት ይህብ ነይሩ፡፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ባዕሉ ውድብ ህወሓት እውን ነቲ ቃልሲ ንምጉልባት ዘኽእል እቶት ንምርካብ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሕ ነይሩ እዩ፡፡ ንኣብነት፣ ኣብ ስራሕቲ ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ጋራዥ፣ ግልጋሎት መጉዓዝያን ካልኦትን ስራሕቲ እናሰርሐ ተወሳኺ እቶት ይረክብ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ “ዕጥቅና ካብ ፀላእትና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ፀላእቲ ዝተሃጀመ (ዝተማረኸ) ገንዘብን ንብረትን እውን ሓደ ፍልፍል ሃፍቲ ውድብ ህወሓት እዩ ነይሩ፡፡ ነቲ ብዝተፈላለየ መንገድን ኣገባብን ዝርከብ ዝነበረ ሃፍቲ ድማ መሪሕ እቲ ቃልሲ ዝኾነ ውድብ ህወሓት ቆጣባይ ብዝኾነ ኣጠቓቕማን ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ብዘዕውት ኣገባብን እናተጠቐመ፤ ዝተረፈ ሃፍቲ እውን ብኣግባቡ ተታሒዙ ክፀንሕ ገይሩ እዩ፡፡
ድሕሪ ውድቀት ሰርዓት ደርግ (1983 ዓ/ም) ድማ እቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተዋህለለ ሃፍቲ ህወሓት “ኣብ ምንታይ ነውዕሎ?” ዝብል ዛዕባ ኣብቲ ውድብ ተላዒሉ፡፡ ብመሰረት እዚ እቲ ሽዑ ዝነበረ መሪሕነት ውድብ ህወሓት እቲ ዉህሉል ሃፍቲ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ክውዕል ከምዘለዎ ታሪኻዊ ውሳነ ወሲኑ፡፡ ቀፂሉ እውን “ብኸመይ ኣገባብ?” ዝብል ብዕምቆት ሪኡን ዘትዩን ምስ ሰብ ሞያ ሕጊ እውን ብምምኻር ነቲ ሃፍቲ ብሓደራ ተረኪቡ ዘመሓድርን ዝቆፃፀርን “ትካል” ሕጊ ብዝፈቐዶ መሰረት ክጣየሽ ከምዘለዎ ኣብ መደምደምታ ተበፂሑ፡፡
ብምዃኑ ድማ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ት.እ.ም.ት) ወይ Endowment Fund for the Rehabilitation of Tigray (EFFORT) ብዝብል ሽም ነቲ ሃፍቲ ተረኪቡ ብሕጋዊ መንገዲ ዘመሓድር ትካል ክጣየሽ ክኢሉ፡፡
ነዚ ስዒቡ እቲ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ውድብ ህወሓት ካብ ኣባላቱን ደገፍቱን ዘዋህለሎ ሃፍቲ ንዕላማታት ትእምት መፈፀሚ ክውዕል ብውህብቶ ከምዘበርከቶ ኣብ መመስረቲ ፅሑፍ ትእምት መእተዊ ክፍሊ (Preamble) ተገሊፁ ይርከብ፡፡ እዚ ማለት እቲ ሃፍቲ ብጥረ ገንዘብ፤ ብንብረትን ብሓይሊ ሰብን ዝግመት ሃፍቲ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ፡፡ ኣብቲ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበራ ክፍልታት (ትካላት) እውን ከም ዘለወኦ ምስሓይሊ ሰበንን ሃፍተንን ናብ ትእምት ተመሓላሊፈን እየን፡፡
ንኣብነት፣ ክፍሊ ህንፃ እናተበሃለ ዝፅዋዕ ዝነበረ ናብ ሱር ኮንስትራክሽን፣ ክፍሊ መጓዓዝያ ዝነበረ ናብ ትራንስ ኢትዮጵያ፣ ክፍሊ ንግዲ ዝነበረ ናብ ጉና ስራሕቲ ንግዲ፣ 055 ዝበሃል ዝነበረ ናብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ፣ 054 ወይ ክፍሊ ሕርሻ ዝነበረ ናብ ሂወት ሕርሻ መካናይዜሽን ወ.ዘ.ተ ምስ ዝነበሮም ሙሉእ ንብረት፣ ሓይሊ ሰብን ካሊእ ትሕዝቶን ምሉእ ብምሉእ ናብ ትእምት ተመሓላሊፎም እዮም፡፡
ካብኡ ሓሊፉ ክርአ ዘለዎ ትእምት ዝተጣየሸሎም ዕላማታት እንታይ እዮም ዝብል እዩ፡፡ ኣብ መመስረቲ ፅሑፍ ትእምት ዓንቀፅ ኣርባዕተ ዝተቐመጡ ዓበይቲ ዕላማታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡፡ ንሳቶም እውን፣ ሕጊ ብዝፈቕዶ መሰረት ማሕበረ ቁጠባዊ ልምዓትን ዕብየትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘረጋግፁ ዓውደ ስራሕቲ ምስታፍ፤ ማሕበራዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ምዝርጋሕን ምጥንኻርን ትምህርቲ፣ ጥዕናን ካልኦት ማሕበራዊ መዳያትን ዝካየዱ ንጥፈታት ንጡፍ ተሳትፎ ምግባር ትእምት ካብ ዝተመስረተሎም ዓበይቲ ዕማማት ገሊኦም እዮም፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝፍጠሩ ምሽርሻር ሓመድን ጋህሲ መሬትን ምክልኻል፤ ክንክንን ልምዓትን ኣግራብ፤ ምስላጥ ልምዓት፣ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይን ተፈጥሮኣዊ ፀጋታትን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ልምዓታዊ ዋኒናት ጠመተ ሂቦም ንዝዋፈሩ ኣካላት ምድጋፍን ቀጥታዊ ተሳትፎ ምግባርን የካትት፡፡
ብዘይካ እዚ፣ ብምኽንያት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ኩነታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ሓደጋታትን ማሕበራዊ ፀገማትን ንምፍታሕ ንዝንቀሳቐሱ ኣካላት ምድጋፍን ቀጥታዊ ተሳትፎ ምግባርን፤ ኣብ ልምዓትን ዕብየትን ወሳናይ ተራ ክፃወት ዝኽእል ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍራይ ተካኢ ዘይብሉ እጃም ምውፋይ እዩ፡፡ ነዚ ድማ ናይ መፅናዕቲ፣ ምርምርን ስልጠናን ትካላት ምጥያሽን ኣብ ካልኦት ተመሳሰልቲ ስራሕቲ ምውፋርን እውን ይሓውስ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ፀጋታት ህዝቢ ትግራይ ማለት እውን ምዕቃብን ምምዕባልን ቋንቋ፣ ታሪኽ፣ ባህሊ ከምኡ እውን ምጉልባት ባህሊ ምትሕግጋዝን ምክብባርን፣ ናይ ዕላማ ፅንዓት፣ ሓድነት፣ ጅግንነትን ውፍይነትን ኮታስ ኩሎም መግለፅታት ክብርን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ፀጋታት ክዕቀቡ፣ ብቐፃልነት ንኽምዕብሉን ኣፍልጦ ክረኽቡን ዘኽእል ግቡእ ሓገዝ ምግባር እውን ካብቶም ዓበይቲ ዕላማታት ትእምት እዮም፡፡
ብካሊእ መዳይ፣ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ትግራይ ብኲናት ይኹን ብኻሊእ ምኽንያት ኣካላዊ ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት፣ ወለዶም ዝሰኣኑ ህፃውንቲ፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያን፣ ሕሙማት ኣእምሮን ካልኦት ተመሳሳሊ ፀገማት ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዓርስኻ ምኽኣል ዝተመስረተ ሓገዝ ክረኽቡ ምትሕብባር ከምኡ እውን ኣብ ላዕሊ ንዝተዘርዘሩ ዕላማታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝሕግዙ ካልኦት ተዛመድቲ ስራሕቲ ምስራሕ ዝብሉ እቶም ቀንዲ ዕላማታት ትእምት እዮም፡፡ እዞም ዕላማታት ድማ ኣብ ዕብየትን ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባለን፣ ምዕቃብን ምምዕባልን ታሪኽ፣ ባህሊ፣ ስነ ኸባብን ተፈጥራዊ ሃፍትን ትግራይ ከምኡ እውን ኣብ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ትኹረት ዝገበሩ ምዃኖም ካብቲ ሰነድ ምርዳእ ይከኣል፡፡
ነዞም ዝተዘርዘሩ ኣብ ኣጠቓላሊ ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ኣበርክቶን ብፅሒትን ዘለዎም ዓበይቲ ዕላማታት ናብ ሽቶ ንምብፃሕ ድማ ከምትካል ቀፃልነት ዘለዎ ፍልፍል ሃፍቲ ምፍጣር ግድን እዩ፡፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ትእምት ብክልተ መንገዲ ዝግለፅ ፍልፍል ሃፍቲ ኣለዎ፡፡ እዚ ግልፂ ምእንቲ ክኸውን ፍልፍል ሃፍቲ ትእምት ቅድሚ ምስረታን ድሕሪ ምስረታን ኢልካ ኣብ ክልተ ከፊልካ ምርኣይ ኣገዳሲ ይኸውን፡፡
ንኣብነት፣ ቅድሚ ምስረታ ትእምት ዝነበረ ኩነታት እንተርኢና ኣብቲ ብውድብ ህወሓት እናተመርሐ ን17 ዓመታት ዝተኻየደ ህዝባዊ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብር ህዝቢ ትግራይን ደገፍቲ እቲ ቃልሲ ዝኾኑ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ንሓዋሩን (perpetually) ብዘይምለስን (irrevocably) ኣገባብ ዘወፈይዎ ንብረትን ገንዘብን ሓደ ፍልፍል ሃፍቲ ትእምት ምዃኑ ኣብ መመስረቲ ፅሑፍ ትእምት ዓንቀፅ ሽዱሽተ ቁፅሪ ሓደ ተገሊፁ ይርከብ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ህወሓት (ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ) እውን ካብቶም ንብረትን ገንዘብን ንትእምት ብዘይምለስን ንሓዋሩን ኣገባብ ዘወፈዩ ብግንባር ቀደም ዝጥቀስ እዩ፡፡ ግልፂ ንምግባር ህወሓት ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ 17 ዓመት ዘዋህለሎ ገንዘብን ንብረትን ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ንክውዕል ብምሕሳብ ንትእምት ከምዘወፈዮን ዘመሓላለፈን ኣብ መመስረቲ ፅሑፍ ትእምት ዓንቀፅ ሽዱሽተ ቁፅሪ ክልተ ተገሊፁ ኣሎ፡፡
እቲ ካልኣይ ድሕረ ምስረታ ትእምት ዝተፈጠረ ሃፍቲ እዩ፡፡ እዚ ማለት ሕጊ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብዝፈቕዶ መሰረት ትእምት ዝሓዞም ዕላማታት ንምፍፃምን ቀፃልነት ንክህልዎን ዘኽእል ሃፍቲ ዝረኽበሉ መንገዲ ክኽተል ግድን ነይሩ፡፡ ስለዝኾነ ትእምት ብዘለዎ ሃፍቲ ኣክስዮናት ብምዕዳግ ዝረኽቦ እቶት ቀንድን ዘላቕን ፍልፍል ሃፍቲ ትእምት ኮይኑ ዕላማታቱ ንምፍፃም ይጥቀመሉ፡፡ ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ትእምት ብቐጥታ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንጥፈታት ተዋፊራ እትሰርሖ ስራሕ የለን፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ንጥፈታት ተዋፊረን ኣብ ዝሰርሓ ትካላት ኣክስዮን(share) ብምዕዳግ ካብ ዝርከብ ትርፊ ብፅሒታ እናተመቐለት እትረኽቦ እቶት ኣሎ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ግና ካብ ካሊእ እትረኽቦ ሃፍቲ ከምዘየለ ምግንዛብ የድሊ፡፡
ቀፂሉ ክመፅእ ዝግብኦ ኣገዳሲ ጉዳይ ትእምት ዝረኸቦ ሃፍቲ ከመይ ኣብ ጥቕሚ የውዕሎ ዝብል እዩ፡፡ ሃፍቲ ትእምት ዝመሓደረሉ ናይ ባዕሉ ኣገባብን ስርዓት ኣጠቓቕማን ዘለዎ ኮይኑ ንቁፅፅር፣ ግልፅነትን ንተሓታትነትን ብዝምቹ ሕጋዊ መንገዲ ይፍፀም፡፡ ኣብ መመስረቲ ፅሑፍ ትእምት ዓንቀፅ ሸሞንተ ሃፍቲ ትእምት ዕላማታት ትእምት ንምስላጥ ጥራሕ ከምዝውዕል የቐምጥ፡፡ ኣብቲ መመስረቲ ፅሑፍ ዓንቀፅ ሽዱሽተ ድማ ትእምት ዝረኸበቶ ሃፍቲ ኣብ መትረፍቲ ትካላት ክተዋፍር (ኣብ መትረፍቲ ትካላት ብፅሒት ኣክስዮን ክትዕድግ) ከምእትኽእል፤ ነቲ ዝዋፈር ሃፍቲ (ገንዘብን ንብረትን) ዘመሓድረላ ኣካል ክተጣይሽ ከምእትኽእል እውን ተቐሚጡ ይርከብ፡፡
ከምኡ እውን ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ዝምልከቱ ዕላማታት ትእምት ንምትግባር ሓላፍነት ወሲዱ ዝመርሕ ኣካል ክተጣይሽ ከምእትኽእል ይገልፅ፡፡
ካብዚ ወፃኢ ሃፍቲ ትእምት ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ወይ ውልቀ ሰባት፣ ትካል ወይ ትካላት ተመሊሱ ከምዘይወሃብ፤ ከምዘይመሓላለፍን ከምዘይከፋፈልን ብግልጢ ኣቐሚጡዎ ይርከብ፡፡ ትእምት ብውሳነ ቤት ፍርዲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ እንተዓሪፍዎ ገንዘብን ንብረትን ትእምት ናብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ተመሓላሊፉ ንቐፃሊ ልምዓትን ኣገልግሎትን ህዝቢ ትግራይ ክውዕል ከምዝግበር ኣብ መመስረቲ ፅሑፍ ትእምት ብግልፂ ተደንጊጉ ይርከብ፡፡
ኣብ ቀፃሊ ሕታም ድማ ካልኦት ኣብ መመስረቲ ፅሑፍ ትእምት ዝተቐመጡ ዓበይቲ ነጥብታት፣ ቅርፀ መሓውር(ኣወዳድባ)፣ ሕጋውነት፣ መንነትን ዋንነትን ትእምት፣ ተፀዋዕነት፣ ዝመሓደረሎም ሕግታት ዝብሉ ካልኦትን ዛዕባታት ሒዝና ክንቀርብ ኢና፡፡