NEWS
አመራርሓ ትካላት ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳን ማይጨው ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ተመያይጦም። ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዓለምለኻዊ ባንኪ አምበሳ ዝመፁ ላዕለዎት ሓለፍት ስራሕ ምስ አመራርሓ ትካልና ዘካይድዎ ቀንዲ ዒላማ እዚ ምይይጥ በሰንኪ ኩናት ትግራይ ተቋሪፁ ዝነበረ ክልተዊ ርክብ ብምጥንኻር በሓባር ንምስራሕ ዘተኮረ እዩ።
ማሕበር ክላስተር ፋሽን ተንከፍን ተዛመድትን ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሓድነት ከባቢ መንደር ሚዘር ዘመናዊ ማእኸል ዕዳጋ/ሞል/ ብ 750 ሚልዮን ቅርሺ በጀት ስራሕቲ ኮንክሪት ንምህናፅ ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ሎሚ 01 መጋቢት ዉዕል ኣሲሩ::
ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝቐነየ ቱር ለካቲት ባንኪ ወጋገን ቅድድም ኮርስ ብሽክለታ ተባዕትዮ ብውልቀን ጋንታን ብዓብላላይነት ጋንታታት ኩባንያታት ትእምት ሎሚ ተዛዚሙ::
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ መቐለ ኣይተ ወረስ ገ/ፃድቃን ኣፈፃፅማ መደባት 1ይ ፍርቂ ዓመት 2016 ዓ/ም ምስ ሱር ኮንስትራክሽን ብምትሕብባር ብመዳይ ፅርግያ ዝተሰርሐ ስራሕ ኣመልኪቶም ንቤት ምኽሪ መቐለ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ከምዚ ኢሎም
ሎሚ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ 3ይ መድረኽ መነወ- መቐለ 70 ኪ/ሜ ዝሸፈነ ቅድድም ብሽክለታ ኣነስትዮ ቱር ለካቲት ወጋገን :
* ብዉልቀ:
1ይቲ- ፅጌካሕሳይ ካብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ
2ይቲ- ቤተልሄም ዳኒኤል ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ
ሱር ምስ ምምሕዳር መቐለ ብምትሕብባር ኣብ መቐለ ይሃንፆ ንዘሎ መንገዲ ኣስፋልት ብዝምልከት ብሓደ ዉልቀሰብ ተፃሒፉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዝዘዉር ዘሎ ሪኢቶ ካብ ሱር ኮንስትራክሽን ፕሮጀክት መንገዲ መቐለ ዝተዉሃቦ ሞያዊ ምላሽ
ካብ ክልል ኦሮምያን ፍንፍኔን ቀፂሉ ንፈለማ እዋን ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ጨንፈር ዝኸፈተ ባንኪ ገዳ ምስ መስፍን ኢንዳስትርያል ሓቢሩ ንምስራሕ ክታሙ ኣንቢሩ።